ዕልድ ጌርና ዝረኸብናዮ።

ሓደ ቐዳም ወዲ ሓሙሽተ-ሽድሽተ ዓመት ከለኹ ሓወይ ቶፈ ተሰዊሩ።
ሓደ ሓደ ግዜ ገለ ከይበለ ክስወር ኣጋጢሙ ኣሎ።
ማማ ቐስ ብቐስ ኣብ ጀርዲን ደው ኢላ።
ንኣብ ናይ ሑጻ ሳጹን ንጻወት ዝነበርና ኣነን ጎረባብቲ ኣወዳትን ኣቓሪጻትና።
-ቶፈ ምሳኹም ኣሎ ድዩ?፣ ሓቲታ።
ኣነ መጀመርያ ንቖላሕታ የዕንታ ርእየ ድሒረ ርእሰይ ነቕነቕኩ።
ብቑልጡፍ ናብቶም ካልኦት ፣ ናብቶም ብጥንቓቐ ካብቲ ናይ ሑጻ ሳጹንን መጻውቲ መካይንን ናብ ላዕሊ ናብኣ ዝጠመቱ ኣወዳት ጠሚታ።
ተመሊሳ ናባይ ምስ ጠመተት፣ ብሕፍረት የዕንተይ ናብ ታሕቲ ጠሚተ ድሕሪ ቑሩብ ምድንጋይ "ኣብዚ ምሳና ጸኒሑ ኣቐዲሙ" ኢለ መሊሰ።
ሻቕሎት ኣብ ገጽ ማማ ተራእየ።
ኣብ ውሽጢ ገዛ ከይህሉ መታን ክትሪኦ ቑሩባት ቕልጡፋት ስጉምቲ ብምውሳድ ናብ ገዛ ገጻ ሰጉመት።
እወ ውሽጢ ኣትዩ ክኸውን'ውን ይኽእል እዩ።
ብቑልጡፍ እንደገና ተመልሰት።
ባባ'ውን ኣብኡ ኔሩ።
ሽሙ ክጽውዑን ኣብቲ ጀራዲን ክሪእዎን ጀመሩ።
ካልኦት ጎረባብቲ፣ ዓበይትን ንኣሽቱን ኣብ ምድላይ ተዋፈሩ።
ኣነ'ውን ክደሃዮን ክደልዮን ጀመርኩ።
እንተዘይንረኽቦ፣ እንተዝጠፍእ እሞ እንተዘይምለስ እሞ ሕሰቦ?
ጽቡቕ ጌረ ክከታተሎ ኔሩኒ ኢለ ሓሲብኩ።
ሻቕሎት ኣብ ከብደይ ኣተወ ዓው ኢለ ድማ ጨደርኩ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ድማ ኣብ ናይ ቐትሪ ሕልሚ ኣተኹ።
እንተዝጠፍእስ፣ ሂወት ከመይ ምኾነት ኔራ?
በብቑሩብ እቲ እንኮ ውላድ ምኾንኩ- ስድራይ ኣቤት ማዕረ ክንደይ ግዜ ንዓይ ምሃለዎም።
ግና ኩሎም ከኣ ጉሁያት ምኾኑ ኔሮም፣ እዚ ብርግጽ ጽቡቕ ኣይኮነን።
-ቶፈ
ብተደጋጋሚ ጨደርኩ ።
ነቶም ክልኩላት ሓሳባት ደርብየ ድሒሪ ባባ ኮይነ ብዓውታን ብንጹርን ደኣ እንዳጨደርኩ ደለኹ።
ኣብ ጎድኒ ንነብረሉ ዝነበርና ርሻን ኣብ ጫካ ኣብ ድሕሪ ዓበይ እምኒ ኮፍ ኢሉ ጸንሐ።
-ከይነገርካና ብፍጹም ናብ ዝኾነ ቦታ ከይትኸይድ ኢላ ኣጠንቒቓ ድማ ማማ ሓቐፈቶ።
ቶፈ ከም ምልክት ሕቶ ኮይኑ መሰለ፣ ከም ዝጠፍአ ብፍጹም ኣይፈለጠን።
ኣነ ንርእሰይ ኣብ ጎድኒ ደው ኢለ፣ ናብ ቶፈን ወለደይን ራእኹ፣ ዝሓሰብክዎ ንክዛረብ ግና ድፍረት ኣይረኸብኩን።
-ዕድል ጌርና ዝረኸብናዮ በልኩ፣ ዋላ ሓደ ኣቕሊቡ ኣይሰምዓንን።
ብምርካብ ሩፍታ ተሰሚዑኒ፣ እወ ብምምላሱ'ውን ኣዝየ ተሓጉሰ።
ግና ከኣ እቲ ዘይተርፍ ተረዲኡኒ፣ ስድራና ኣብ ዙርያ ቶፈን ድልየታቱን ምዝንባይ ክቕጽሉ ምኻኖም።

/ፍራንክ፣ ሕጂ 41 ዓመት፣ ብዛዕባ ናይ ወዲ 5 ዓመት ከሎ ዝነበረ ተዘክሮታት እንክዛረብ።
ፍራንክ ነቲ ሕማም በይናውነት ዘልዎን ኣብ ናይ ሂወት ግዚኡ ብዙሕ ግዜ ዝተሰወረን ቶፈ ንእሽተይ ሓዉ እዩ።

Snackeboda. Bild på en "prata"

Senast uppdaterad 2022-06-02 av Peter Eriksson, ansvarig utgivare Lennart Magnusson