ሓላፍነት ናይ ዓቢ ሓዊ ምስካም

ከም ሰባት ኣነን ኢሳቕን ፍልልይ ኣለና።
ንሱ ክመርሕ እዩ ዝፈቱ፣ ኣነ ከኣ ይስዕብ።
መደብ ከውጽእ የድልዮ፣ ኣነ ግና ንቕድመይ እየ።
ንሱ ኣብ መጻኢ እዩ ዝነብር ኣነ ግና ዝበዝሕ ግዜ ብዛዕባ ሕሉፍ ይሓስብ።
ግና ከመይ እዩ?
ኣነ፣ ናይ ኢሳቕ ንእሽተይ ሓፍቲ ኮይነ?
እዛ ሕቶ ምሉእ ዕድመይ እየ ሒዘያ።
ጌና ዓባይ ኣይነበርኩን እቶም ሓፍቲ ኢሳቕ ምኻን ከመይ እዩ ኢሎም ዝሓቱ ከምኡ ዘይኮነ ማለቶምሲ ሓፍቲ እቲ ናይ ኣእምሮ ለምጺ ዘለዎ ኢሳቕ ማለቶም ምኻኑ ክርድኣኒ ዝጀመረ።
ዋላ እኳ ኣብ ናይ ውጹዕ ቦታ ከም ዘሎ ሰብ ኮይነ ክምልሰሎም ከም ዝደልዩ እንተፈለጥኩ ኣነ ግና ኩሉ ግዜ ሓጺር ክምልስ እየ መሪጸ፣
"ጽብቕ እዩ!"
ሓደ ሓደ ግዜ ኣየናይ ሙዙቓ ክንሰምዕ ከም ዘለና ኩሉ ግዜ ክመርጽ ከሎ ከም ዲቫ ይኸውን።
ግና ዝበዝሕ ግዜ ፊልም ኣነ እየ ዝመርጽ፣ ስለዚ ደሓን እዩ።
ግና ብርግጽ ኩሉ ግዜ ቐሊል ኣይኮነን።
ዋላ እኳ ሰም ክብል እንተፈተንኩ ስድራይ ከም ካልኦት ስድራቤታት ዘይምኻኖም ዝርሳዕ ኣይኮነን።
ብፍጹም ክኾኑ ኣይክእሉን እዮም።
እቲ ቐንዲ ኣሸጋሪ ነገር ብፍጹም ቐዳምነት ዘይትረክብ ምኻንካ እዩ።
እዚ ከም ካልእ ሰብ ኣብ ካልኦት ስድራቤታት ዝገብሮ ምርጫ ኣይኮነን፣ በቓ ክኸውን ዝነበሮ እዩ ይርድኦ እየ ድማ።
ኣብዛ ዓለም ከም ንእሽተይ ሓፍቲ ግና ከኣ ናይ ዓባይ ሓፍቲ ሓላፍነት ዘለዋ ኮይነ ተፈጢረ።
ናብዛ ዓለም ምስ ኣገዳሲ ሓላፍነት ከም ዝመጻኹ ይኣምን።
ኩሉ ሰብ ክገብሮ ዘይክእል ኣነ ግና ክሰግሮ ምኻነይ ኣሚነዮ ዘለኹ ነገር እዩ።

/ለይላ፣ 18 ዓመት፣ ሓፍቲ ኢሳቕ

Senast uppdaterad 2022-06-02 av Peter Eriksson, ansvarig utgivare Lennart Magnusson