ኣብ ከተማ ሰባት ይጥምቱኒ

ሓደ መዓልቲ ምስ ማማን ፓፓን ኣብ ውሽጢ ከተማ ኔርና።
ሽዑ ኵላቶም ሰባት ይጥሙትኒ ነይሮም። ደስ ዘይብል እዩ ነይሩ ንዓይ ከም ዝመስለኒ።
ሓዚነ።
ንማማን ፓፓን ሓቲተዮም።
"ስለምንታይ ኵሎም ይጥምቱኒ ኣለዉ?"
ስባት ንመንበር ዓረብያይ ይጥምቱ ከም ዘለዉ ገሊጾሙለይ።
-እታ ሓንቲ ክትገብርያ ትኽእሊ፡ ዕሽሽ ምባሎም እዩ።
ሰባት ኵሉ ግዜ ክጥምቱኺን ምናልባት ስለምንታይ ኣብ መንበር ዓረብያ ኮፍ ምባልኪ ክሓቱኽን እዮም።
ግን እዚ ኣበር ኣለኪ ማለት ኣይኮነን፡ ኢሎምኒ።
ሽዑ ጽቡቕ ተሰሚዑኒ።
ንማማን ፓፓን ገለ ነገር እንተ ዘይብሎም ነይረ፡ ሕዝንቲ ኾይነ ምቐጸልክዎ ነይረ።

/ፋብያን፡ 10 ዓመት

Snackeboda. Bild på en ”prata”

Senast uppdaterad 2022-06-02 av Peter Eriksson, ansvarig utgivare Lennart Magnusson