ዘሕርቕ ኣጠማምታ

ደቕና ዘሕርቑ ክነሶም ንሕና ከኣ ተዛኒና ዘለና ንመስል፣ ከምቲ ንሶም ንደቖም ዝብልዎም ዘይንብሎም፣ ኢሎም ሕማቕ ዝስምዖም ካልኦት ስድራቤታት ዝመጸና ኣጠማምታ ከቢድ እዩ።
ንወደይ እንተተቖጢዐዮ ነቲ ናተይ ሕርቓን ይቐድሕ እሞ ሽዑ ዝተረፈ ግዜ መዓት ዝመልኦ መዓልቲ ይኸውን።
ስለዚ እየ ንኦስካር ክረሳስዖ ዝፍትን።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ እዚ ህሞት እዚ ብሰንኪ ስንክልና ድዩ ወላስ ብሰንኪ ናይ ሓደ ህጻን ንቡር ኩርዓትን ድልየትን ምኻኑ እንተዘየፈሊጠ ኣዝዩ ይኸብድ።
ብደጊኡ ፍሉይ ክንክን ከም ዘድልዮ ስለ ዘይፍለጥ ካብ እኹላት ሰባት ዝመጽእ ኣጠማምታን ካብ ካልኦት ህጻውንቲ ዝመጽእ ርእይቶታትን ዘሕርቑ እዮም።
ሓደ ሓደ ግዜ ነቲ ሕማም ኣብ ግንባር ውሉደይ ጽሒፈ ክልጥፎ ወይ ዓው ኢለ ሕማም በይናውነት ኣለዎ ክውጭጭ ከሎ ወይ ኣብ ስሪኡ ክሸይን ከሎ ምጥማት ኣቓርጹ! ክብል ይደሊ።
ከምኡ ብርግጽ ኣይገብርን እየ፣ ህድእ ምስ በልና ግና ንኦስካር ይዛረቦ።
ዋላ እኳ ሓደ ሓደ ግዜ ነቲ ዋዛ ሓዲግና ከም እንደገና እንተተባኣስና፣ ነቲ ሕርቓን ከተውጽኦ ጽቡቕ እዩ።
ሓደ ሓደ ግዜ ጾርካ ምንጋፍ ኣገዳሲ እዩ፣ ልክዕ ከም ካልኦት ኩሎም ሰባት ።
ሽዑ ካልኣይ ዙርያ ንጅምር።

/ኣደ ኦስካር፣ 10 ዓመት

Senast uppdaterad 2022-06-02 av Peter Eriksson, ansvarig utgivare Lennart Magnusson