እዚ ቖልዓ ምቾት ጥራይ እዩ ዘድልዮ።

ኣብ እንዳ ኣሪጉን ሓሚሙን ዘሎ ኣባሓጎኡ ጸኒሕና።
ንሕና እቶም እኹላት ሰባት ከመይ ከም ዝስምዖ ተዘራሪና፣ ኣባሓጎኡ ባዕሉ ድማ ድሕሪ ቑሩብ ግዜ ምንባር ከም ዘቓርጽ ገሊጹ።
ዓሊ ነቲ ኣብ ሂወቱ ከም ውሑስ ግምቢ ዝነበረ ኣባሓግኡ ኣዝዩ እዩ ዝፈትዎ።
ካብ እንዳ ኣባሓጎኡ ክንምለስ ከለና ዓሊ ዘይንቡር ስቕ ኢሉ ኔሩ።
ኣብ ገዛ ምስ መጸና ኣብ ዓራት ንክኸውን ሓጊዘዮ፣ እቲ መደገፍታ ሓጻዊንን፣ መጀነኒን ካልኦትን ግዜ ይወስዱ እዮም።
ብዛዕባ እዚን እቲን ቑሩብ ተዛሪበ ግና ዝረኸብክዎ ሓጺር ጉሪምሪም እዩ ኔሩ።
ኣብ ዓራት ምስ ኮነ ዓሊ ክበኪ ጀሚሩ፣ ኣባሓጉኡ ከይመውት ከም ዝፈርሐ ድማ ተዛሪቡ።
ክጸናንዖ፣ ክዐግሶን ኣባሓጉኡ ኣዝዩ ሓሚሙ ዘይኮነስ ኣሪጉን ደኺሙን ምኻኑ ነጊረዮ።
ክትጉህን ክትሓዝንን የብልካን።
ብዙሕ ከይከድኩ ዓሊ ብስምዒት ተዛሪብ፣
-ክጉሂ ከለኹ ዘጉሂ ነገር የብልካን ክትብል የብልካን።
ክትሰምዓኒንን፣ ጉህየ ከም ዘለኹ ከም ዝተረድኣካ ክትነግረንን፣ ከተጸናንዓንን ክትሕግዘንን ኣለካ።
ከምኡ ኣይኮነን ኣይትበል፣ ኣንጻር ኣይትዛረብ።
ንምህሮ ዝኾነኒ እዩ ኣጋጢሙኒ።
ምስ ውሉደይ ብዛዕባ ጓህን ፍርሕን ብኸመይ ይዛረብ።
ንዓይ ውን ኣቦይ ከም ዝመውትን ኣነ ድማ ዝተሓተ ቦታ ክህልወኒ ከም ዝኽእልን ምሕሳብ ኣፍሪሑኒ።
ምጉሃይ ሽግር ኣይኮነን።
ንዓና ንእኹላት ሰባት እዚ ክኸብደና ይኽእል- ኩሉ ሰብ ውሉዱ ውሕስነት ክስምዖም ይደሊ።
ብድሕሪኡ ኣብ ዓራት ኮፍ ኢልና ጽብቕ የዕሊልና።

/ኣቦ ዓሊ ፣ 9 ዓመት

Senast uppdaterad 2022-06-02 av Peter Eriksson, ansvarig utgivare Lennart Magnusson