ንሓወይ ተሸጊረሉ

ሓደ ነገር ንክትምሃር ብዙሕ ግዜ ከም ዝወስደልካ ዝገብር ስንክልና ዘልዎ ሓዊ ኣለኒ።
ምንባብ ወይ ምጽሓፍ ከይተማህረ ከይተርፍ ክሽገረሉ ጸኒሐ።
እወ ሽዑ እንታይ ከም ዘጋጥም'ከኣ።
ክገብሮ'ዶ ይኽእል ይኸውን?
ምስ ዓበየ መን ክሕግዞ እዩ።
ገለ ነገር ክትረክብ ተኾንካ ወይ ከምኡ መሳሊ ከተንብብ ክትክእል ኣለካ።
ብዛዕባ እዚ ብዙሕ ሓሲበ።
ግና ሽዑ ንማማ ሓቲተያ።
ከመይ ከም ዝኾነን ሓወይ ኣየኖት ሓገዛት ከምዝረክብን ነጊራትኒ።
ክፈልጥ ኣገዳሲ እዩ፣ ምኽንያቱ ሽዑ እየ ንክሕግዝ እንታይ ክገብር ከምዘለኒ ዝፈልጥ።

/ጆን፣ 10 ዓመት

Senast uppdaterad 2022-06-02 av Peter Eriksson, ansvarig utgivare Lennart Magnusson