ሓዘን ሓደገኛ ኣይኮነን

ጓል 11 ዓመት ከለኹ መናቱ ኣሕዋተይ ተወሊደን።
ሊቭን ናድያን ይበሃላ፣ኣብዚ ግዜ እዚ ደቒ 30 ዓመት እየን።
ሸውዓት ወርሒ ቕድሚ ግዜ ተወሊደን፣ ናድያ ድማ ብሕጽረት ኦክስጅን ተወቒዓ።
ሎሚ ናድያ ዓይነ ስውርቲ እያ፣ ክትዛረብ ወይ ገለ ገለ ምንቕስቓሳት ክትገብር ኣይትኽእልን እያ።
ካብቶም ዝተረፍና ካልኦት 80ሚል ኣቢላ ርሒቓ ትነብር።
ኣዝያ ፍቕርቲ እያ ብዙሕ ግዜ ድማ ትብጻሕ።
ቖልዑ ከም ስድራ ዝገብርዎ እዮም ዝገብሩ።
ስድራቤትና ድማ ሓዘኖምን ተስፋ ምቑራጾምን ከርእዩና ኣይደልዩን እዮም።
ጽቡቕ ሓሳብ እዩ፣ ካብ ሓዘን እሞ እንታይ ክንረክብ ኢልና?
እወ፣ ሕጂ ፈሊጠ።
ክበኽዩ እንተዝርእዮም ዓለመይ ምስተነቓነቐት።
ሓንሳእ።
ግና ንብዓቶም ክደርዙ ርእየዮም ኣለኹ።
ዓሙቕ እስትንፋስ ኣስተንፍሲ፣ ነታ ሓጻቤት ማሽን ኣቓልልላ፣ ቡን ድማ ኣዳልዊ።
ብናይ ሊቭስ ፍሽኽታ ስሓቕ ንናይ ናድያ ማዕጋር ሙዕጉርቲ ድማ ስዓም።
ሓዘን ኣብ ጎኒ ክህሉ ከም ዝኽእል ኣርእይ።
ሓደገኛ ከም ዘይኮነ።
ኣብ ልዕሊ ዘጋጠመ ክትጉሂ ደሓን ምኻኑ ንምፍላጥ 20 ዓመት ወሲዱለይ።
ምናልባሽ ዋላ ንብዓት ውን ናቱ ዋጋ ይህልዎ።
ናድያ ብፍጹም ኣይትሓውን እያ።
ንሕና እቶም ኣብ ዙርያኣ ዘለና ግና ክንድግፋን ከነፍቕራን ኣለና።

/ሲሪ፣ 42 ዓመት፣ ሓብቲ ናድያን ሊቭስን (ካብ ከምቲ ዘለዎ ክትነግር ትኽእል ዝብል ብ ሲሪ ኣምብዮርሶን፣ ክርስቲና ረንሉንድን፣ ረድን ዝተዳለወ መጽሓፍ ዝተወስደ)

Snackeboda. Bild på en ”prata”

Senast uppdaterad 2022-06-02 av Peter Eriksson, ansvarig utgivare Lennart Magnusson