ካልኦት እንተጠሚቶም ኣይትገደሰሎም

ሓንቲ ኣዝየ ትርብሸኒ ነገር ምስ ፍሪዳ ኣብ ከተማ ክንወጽእ ከለና እሞ ፍሪዳ ድማ ኣብ ዓረብያ ክትከይድ ከላ እዩ።
ብሰንኪ እቶም ዝጥምቱ ኩሎም ዓዋናት ዝመጽእ ረበሻ እዩ።
ምጥማቶም ኣብ ዓረብያ ትኸይድ ብምህላዋ ብጥርጣረ ከም ዝኾነ ይፈልጥ እየ፣ ግና ክጥምቱ ኣየድልይን እዩ!!
ከም ዓዋናት።
ኣነ ኣዝየ ይኹሪ።
ሓደ ሓደ ግዜ ሸለል ጥራይ ይብሎ።
ሓደ ሓደ ግዜ ግና ንስድራይ ይነግሮም።
ዝበዝሕ ግዜ ንሳቶም'ውን ምጥማቶም ዕሽነት ምኻኑ ይኣምኑ፣ ግና ሸለል ምባል ክፍትን ከም ዘለኒ ይነግሩኒ።
ሓደ ሓደ ግዜ ይከኣል፣ ሓደ ሓደ ግዜ ግና ኣይከኣልን።

/ኣንቶን፣ 12 ዓመት

Senast uppdaterad 2022-06-02 av Peter Eriksson, ansvarig utgivare Lennart Magnusson