ብዙሕ ምሽቃል ግደፎ

ነጻነት ይስመዓኒ።
ቅድሚ ሓደ ዓመት ብኮሙናዊ መጓዓዝያ ናብ ቤት ትምህርቲ ክመላለስ ጀሚረ።
እቲ ዝተደጎመ ኣገልግሎት መጓዓዝያ ስንኩላን ብዙሕ ሕልኽልኽ ስለ ዝበለ፡ ኣድኪሙኒ ነይሩ።
ቅድሚ በይነይ ምጕዓዘይ፡ ብዙሕ ተለማሚደ ነይረ።
ብልክዕ ክረኽቦ ኣይከኣልኩን፡ ግን ካብ ሰባት ሓገዝ ረኺበ።
ዘደስት ኾይኑ ተሰሚዑኒ።
ሕጂ ሰኑይ-ሰኑይ ናብ መዘምራን ክኸይድ ከለኹ ይለማማድ።
ማማ እታ ተተባብዕ ዓይነት ሰብ ኣያ።
ከማይ እያ።
ትገብርዮ ኢኺ"
ጽቡቕ ክኸይድ እዩ! ትብል።
ፓፓ ግን፡ ብዙሕ ዝሳቐል ዓይነት ሰብ እዩ።
እቲ ንዓኺ ኣጸብቑ ብርቱዕ ኣይኮንርን ድዩ? ይብል።
ከመይ ጌርኪ ክትክእልዮ ኢኺ?
እንተ ዘይረኸብክዮ ኸ እንታይ ከጋጥም እዩ?
ሽዑ መን ክሕግዘኪ እዩ?
ኣሸጋሪ እዩ።
መብዛሕትኡ ግዜ "ኵሉ ግዜ ምሽቓል ግደፎ" እየ ዝብሎ።
ሓደ ሓደ ግዜ ግን ብዙሕ ኣይዛረብን እየ።
ሻላ ጥራይ ይብሎ።
ጽኑዕ ክትከውን፡ ኣብ ነብስኻ ክትተኣማመንን ንወለድካ ሰብ ነብሱ ክኽእልን ናጻ ክኸውን ክፍቀዶን ኣገዳሲ ሙኳኑ ከተረድኦም ክትፍትን ኣለካ።
ኵሉ ግዜ ሓገዝ ከም ዘየድልየካ ክስምዓካ ደስ ዝብል እዩ።

/ወንደላ፣ 16 ዓመት

Senast uppdaterad 2022-06-02 av Peter Eriksson, ansvarig utgivare Lennart Magnusson