ሊሳን እቲ ጃካን

ሊሳን ኢዳን ናብ ቤት ትምህርቲ ይኸዳ እየን።
ዕረፍቲ ክወጻን ከይደን ክዛረባን እየን።
ሊሳ ጃኬታ ኣይረኸበቶን፡ ኢዳ ድማ ትስሕቕ ኣላ።
ሽዑ ሊሳ ንሳ ከም ዝሓብኣቶ ተረዲእዋ።
ሊሳ ሓዚናን ሓሪቓን፡ ንኢዳ ድማ ጃኬታ ክትመልሰላ ጨዲራትላ።
ኢዳ ነቲ ጃኬት መሊሳ ይቕረታ ሓቲታታ።
ግን ሊሳ ገና ሓዚና እያ ዘላ። ነቲ ይቕረታ ድማ ክትቅበሎ ኣይደለየትን።
ሊሳ ድሕሪ ቁሩብ ግዜ ካብ ቤት ትምህርቲ ናብ ገዛ ምስ መጸት፡
ማማ ገለ ጌጋ ከም ዘሎ ርእያቶ።
-ሎሚ ኣብ ቤት ትምህርቲ ገለ ዘጋጠመ ነገር ኣሎ ድዩ?
- እወ፡ ሊሳ ንጃካይ ሓቢኣቶ። ኣነ ድማ ሓዚነን ሓሪቐን።
ማማ ሓሪቓ ንናይ ኢዳ ፓፓ ደዊላትሉ።
- ሰላም፡ ካርል እየ።
- ሰላም፡ ናይ ሊሳ ማማ እየ።
ሎሚ ኣብ ቤት ትምህርቲ ኢዳ ናይ ሊሳ ጃኬት ሓቢኣቶ፡ እዚ ድማ ንሊሳ ኣዚዩ ኣሕዚንዋ ኣሎ።
- ዋእ፡ ጽቡቕ ኣይገበረትን።
ምስ ኢዳ ክዛረብ እየ።
- ንሊሳ ክነግራ እየ።
ንጽባሒቱ ኣብ ቤት ትምህርቲ።
ሊሳን ኢዳን ኣብ ናይ ቤት ትምህርቲ ሜዳ ተራኺበን።
ኢዳ ኣይትሓዝለይ ኢላታ። ተመሊሰን መሓዙት ክኾና ዝኽእላ እንተ ኾይነን ድማ ሓቲታታ።
ኢዳ ንጃኬታ ጨሪሻ ከም ዘይትሓብኣላ እንተ ተመባጺዓትላ ተመሊሰን መሓዙት ክኾና ከም ዝኽእላ፡ ሊሳ ነጊራታ።
ኢዳ ተመባጺዓ።

/ኣሊስ፡ 13 ዓመት

Senast uppdaterad 2022-06-02 av Peter Eriksson, ansvarig utgivare Lennart Magnusson