ክሳብ ዝሓትት ጽናሕ

ኣብ ጐረሮይ ንእሽቶ መተሓላለፊ ሻምብቆ ክግበረለይ ከሎ ወዲ ክልተ ዓመት ነይረ።
ኣብ ጐረሮ ዝኣቱ ሰብ-ሰርሖ መስተንፈሲ እዩ።
ከስተንፍስ የጸግመኒ ስለ ዝነበረ፡ ንዕኡ ተገይሩለይ።
ስርዓተ መስተንፈሲ ናተይ ንምጻራዩ ዝሕግዙኒ ናይ ቀትሪ ተሓጋገዝትን ናይ ለይቲ ተሓጋገዝትን ነይሮሙኒ።
ማማ ብዛዕባ እቲ ቻርጅ ዝበሃል ሕማመይ ብዙሕ ትነግረኒ ነይራ። ቁሩብ ሕማም ቻርጅ ኣለኒ።
እዚ፡ ናይ ምርኣይን ምስማዕን ጸገም ኣለኒን፡ ከምኡ'ውን ኣብ ምዕባለይ ቁሩብ ዲሒረ ኣለኹን ማለት እዩ።
ማማ ብዛዕብኡ ምስ ሓተትኩዋ እንተ ትነግረኒ ነይራ ምሓሸ ነይሩ ካብ ብኣንጻሩ ዝኸውን።
ወዲ 14 ዓመት ምስ ኮንኩ እቲ ሻምብቆ ተለጊሱለይ።
እቶም ተሓጋገዝተይ ምሳይ ምስራሕ ምስ ኣቋረጽዎ፡ ዘይልሙድ ኾይኑ ተሰሚዑኒ።
ሕጂ ወዲ 17 ዓመት እየ፡ ብዝያዳ ድማ ነብሰይ ዝኸኣልኩ እየ።
ኣብ ደገ ብርሃን ስለ ዝኾነ ኣብ መንጎ ምያዝያን ጥቅምቲን ብባቡርን ኣውቶቡስን ክጐዓዝ ይኽእል።
ድሃን ኵኑ! :)

/ሊነያ፣ 17 ዓመት

Senast uppdaterad 2022-06-02 av Peter Eriksson, ansvarig utgivare Lennart Magnusson