ናብ ገጠር ምጋሽ

ሓደ ምሸት ማማን ፓፓን ንቐዳመ-ሰንበት ናብ ገጠር ከም ንገይሽ ነጊሮምኒ።
ብጣዕሚ ተሓጕሰ።
ምስ ኣዝማደይ (ንኣብነት ደቂ ኣሞ) ከመይ ገይረ ከም ዝጻወት ተራእዩኒ።
ኣብታ ቀጺላ ዘላ መዓልቲ፡ ዓርቢ እያ ነይራ፡ ካብ ቤት ትምህርቲ ናብ ገዛ ምስ መጻእኩ፡
- ሕጂ ተቐላጠፊ።
ኵሉ ክትማልእዮ ትደልዪ ጠርኒፍኪ ዲኺ?
ንገሸሉ ሰዓት ቀሪቡ እዩ።
እንታይ ማለት'ዩ ጠርኒፍኪ፡ ሕጂ ዲና ንገይሽ?
ተደናጊሩኒ ኔይሩ፣ ሓዚነን ሓሪቐን።
ኩሉ ነገራት ምርዳእ ኣብዩኒ።
ሕጂ ክገይሽ ኣይክእልን ኢየ።
መጀመርታ ከዕርፍ ክኽእል ኣለኒ።
ትፈልጡ እንዲኹም።
ንኽርድኣኒ ንምንታይ ክትገልጹለይ ዘይትክአሉ።
ኵሉ ነገር ክቕልጥፍ ከሎ ክስዕበኩም ከም ዘይኽእል ትረስዕዎ ኢኹም።
- ሕንቕንቕ እንዳ በለኒ፡ ኣይስዕበኩምን ኣለኩ ኢለዮም።
ማማን ፓፓን መጀመርታ ኣዚዩ ደንጽይዎም።
ድሕሪኡ ግን ሕማቕ ገይሮም ስለ ዝገለጹለይ ይቕረታ ሓቲቶምኒ።
ሓደ ሓደ ነገራት ንኽርድኦም ከም ዝኸብዱኒ ይፈልጡ እዮም።
ንኣብነት "ንቐዳመ-ሰንበት" እንታይ ማለት ሙዃኑ።
- ዝነገርክና ጽቡቕ ጌርኪ፡ ንዓኪ ክንገልጸልኪ ከለና፡ ናይ ግድን ክንመሓየሽ ኣለና።
እንታይ ማለትና ከም ዝኾነ ከም ዝተረድኣኪ ከነረጋግጽ ኣለና።
ክንምሓየሽ ክንፍትን ኢና።
ሕጂ ቁሩብ ኣዕርፊ። ድሕሪኡ ኣብ ምጥርናፍ ክንተሓጋገዝ ንኽእል ኢና። ምስ ተዳለኺ ድማ ናብ ገጠር ንገይሽ፡ ኢሎሙኒ።

/ኣና 12 ዓመት

Senast uppdaterad 2022-06-02 av Peter Eriksson, ansvarig utgivare Lennart Magnusson