ሽዑሽዑ ምብካይ ይሕሸኒ

ወለደይ ገለ ንሳቶም ከቢድ እዩ ኢሎም ዝሓስብዎ ነገር ክነግሩ ኸለዉ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ኣዚዮም ጥንቁቓት እዮም።
ዝኾነ ከቢድ ነገር ከም ዘይኮነ እዩ ዝጥዕም።
"ሓደገኛ ኣይኮነን፡ ደሓን ክኸውን እዩ፡ ዘሻቕል የብልካን።" ክብሉ ይኽእሉ እዮም።
ሽዑ ኣነ ናይ ግድን ኣዚየ ይሻቐል።
ሓደገኛ እንተ ዘይከውን ነይሩ፡ ስለ ምንታይ ከምኡ ምባል መድለዮም ነይሩ ኣይርድኣንን እዩ።
ማለተይ፡ ሰብ ትኽ ኢሉ ክዛረብ ክኽእል ኣለዎ።
ምኽንያቱ ገለ ነገር ክርከብ ከሎ፡ ከመይ ከም ዝኾነ ባዕለይ ይፈልጥ እየ።
ዝኾነ ኾይኑ ክትቅይሮ እውን ኣይከኣልን እዩ።
ነዚ ብዝያዳ የሞግሶ፡ ካብ ድሕሪ ብዙሕ ዓመታት ብዛዕብኡ ክፈልጥ።
ሽዑሽዑ ምብካይ ይሕሸኒ ካብ ካልእ ግዜ ዝበኪ።

/ሜርይ 12 ዓመት

Senast uppdaterad 2022-06-02 av Peter Eriksson, ansvarig utgivare Lennart Magnusson