ጸጥታ ኣብ ሰደቓ መኣዲ

ንእሽተይ ከለኹ ኣብ ሰደቓ መኣዲ ምስ ወለደይ ኮፍ ክብል ከለኹ ይዝከረኒ።
እዚ ዳርጋ ብዙሕ ግዜ የጋጥምን ጸጥ ዝበለን እዩ ነይሩ።
ንዓይ ሓደ ዝርርብ ምጅማር ኣዚዩ ኣጸጋሚ እዩ ነይሩ።
ነዊሕ ግዜ የድልየኒ ነይሩ። ሓገዝ እንተ ረኺበ ድማ ይቐለለይ ነይሩ። ንኣብነት ምልክት ሓገዝ ወይ ስእሊ።
ክሳብ ክንድዚ ጸጥ ክብል ከሎ፡ እቲ ጸጥታ እንዳ ዓበየ ኣብ መንጎይን መንጎ ወለደይን ከም ሓደ መጋረዲ ዝኾነ ኾይኑ ይስምዓኒ ነይሩ።
እንዳ ረጐደ እንዳ ረጐደ ዝከይድ ዝነበረ መጋረዲ።
"ስለምንታይ እዮም ምሳይ ዘይዛረቡ" ኢለ ክሓስብ ይዝከረኒ።
ሕጂ ኸ እንታይ ጌጋ እየ ገይረ?
ኣብ ውሽጠይ እቲ ብሰንከይ ዝብል ስሚዒት ዓብዩ።
ወለደይ ብዝያዳ እንተ ዝሕግዙኒ ነይሮም ምደለኹ ነይረ።
ንዓይ ክሳብ ክንደይ ኣሸጋሪ ከም ዝነበረ እንተ ዝርእይዎ ነይሮም።
ከመይ ከም ዝነበርኩ እንተ ዝሓቱኒ ነይሮም ጽቡቕ ነይሩ።
ሽዑ ብሓገዝ ስእሊ ከመይ ከም ዝስምዓኒ ዝነበረ ከርእዮም ምኸኣልኩ ነይረ።
ሽዑ ክሕግዙኒ ምኸኣሉ ነይሮም።
ሓደ ሓደ ግዜ ጸጥ ክብል ጽቡቕ ምኳኑ ክነግሩኒ።
ወይ ብሓገዝ እቲ ዝነበረኒ ናውቲ ሓገዝ ምስኦም ክዛረብ እንተ ዝሕግዙኒ ነይሮም።

/ኣና 22 ዓመት

Snackeboda. Bild på en ”prata”

Senast uppdaterad 2022-06-02 av Peter Eriksson, ansvarig utgivare Lennart Magnusson