ካብ እቲ መጥባሕቲ ይፈርሕ

ንመጀመርታ ግዜ መጥባሕቲ ክገበረለይ ከሎ ብጣዕሚ ተጨኒቐ ነይረ።
ዳርጋ ንእሽተይ እየ ነይረ፡ ከም ዝመስለኒ ጓል 6 ዓመት።
ቅድሚኡ ብጭራሽ መጥባሕቲ ገይረ ኣይፈልጥን እየ ነይረ።
ብዛዕባ እንታይ ከም ዘጋጥም ኣዚዩ ብዙሕ ሕቶታት ነይሩኒ።
ንምድንዛዘይ እየ ብዝያዳ ፈሪሀ ነይረ።
ሕስብ እሞ ኣብሎ፡ ተመሊሰ እንተ ዘይተንሳእኩ'ኸ?
እቶም ሓካይም ኣጸቢቖም ጥዑያት እዮም ነይሮም። ሰሚዖምንን ንዅሉ ሕቶታተይ መሊሶሙለይን።
ክትድንዝዝ ከለኻ ብልክዕ እንታይ ከም ዘጋጥም ኣርእዮምንን ነጊሮምንን።
ዜተኣማምን ኾይኑ ተሰሚዑኒ።
ድሕሪኡ ብዙሕ ኣይተጨንቕኩን።
ሓንቲ ዶክቶር ኣብ ጥቓይ ኮፍ ኢላ።
ሰብ መጥባሕቲ ክገበረሉ ከሎ ከመይ ከም ዝመስል ስእሊ ኣርእያትኒ።
ሽዑ ብኸመይ ከም ዝግበር ክርድኦ ኽኢለ።
ቅድሚ እቲ መጥባሕቲ ንዅሎም ካልኦት ድሕሪኡ ዝነበሩ መጥባሕትን ህድኣት ይስምዓኒ ነይሩ።

/ሓቢባ 12 ዓመት

Snackeboda. Bild på en ”prata”

Senast uppdaterad 2022-06-02 av Peter Eriksson, ansvarig utgivare Lennart Magnusson