ክትሓትት ትባዕ።

ኣነ ምናልባሽ ብዙሕ እዩ ዝሓትት ኢለ ይሓስብ ይኸውን።
እንታይ ኣጋጢሙ ሕጂ?
ናብ ሓኪም ኬድኩም ኔርኩም?
እንታይ ኢሎምኹም ንሶም?
ንስድራቤት ከይረግጾም ይፈርሕ፣ እቶም ስድራቤት ግና ብገለ መልክዕ ኣብ ኣጻብዕቲ እዮም ዘለው።
ንከይገጅፍ ይፈርሕ።
ግሬታ ብዙሕ ግዜ መጥባሕቲ ጌራ ኣላ።
ነፍሲ ወከፍ ግዜ ከኣ ብርግጽ ይሻቐልን ክፈልጥ ይደልን።
ግና ከመይ ክገብር ኣለኒ?
ንበይነይ እየ ዝነብር ምስ ዝዘራረቦ ሰብ ድማ የብለይን። ብፍጹም ግዜ ስለ ዘይብሎም ምናልባሽ ብዙሕ ይሓትት ይኸውን።
እንተሓቲተዮም ብዙሕ ኣይዛረቡን እዮም ብዘይካ ሕጂ ብዙሕ ጉዳያት እዩ ዘሎ ጥራይ ይብሉ።
እዚን እዚን እቲን ክንገብር ኣለና።
ግና ብዛዕባ ነገራት እንተዘይሓቲተ ድኣ እሞ ብኸመይ ክፈልጥ።
ሰብ ማዕረ ክፈልጥ ክፍቐዶ ኣለዎ።
ብኸመይ ክገብሮ ይኽእል ኢለ ሓሲበ።
ኣብ መጀምርያ ኣዝዩ ከቢድ ኔሩ።
ደሓር ግና ካብ ሓደ ኣባሓጎ ሓንቲ ስንክልና ዘለዋ ቖልዓ ምኽሪ ረኺበ፣ ናብቲ ጉዳይ ትኽ ብትኽ ምኻድ ከመይ ምኻኑ ፈሊጠ።
ሽዑ ንጓለይ ትኽ ብትኽ ሓቲተያ።
ብዙሕ ምሕታተይ ትፈትውዮ'ዶ?
ወይ ምሕታተይ ደሓን ድዩ?
ሽዑ ስለምንታይ ከም ዝሓትት'ውን ተዛሪበ - ብርግጽ ከም ዝሻቐልን ግና ከኣ መታን ክሕግዝን ደገፍ ክኸውንን ንክፈልጥ መታን ምኻነይ ነጊረያ።
እወ፣ ኣዝዩ ጽቡቕ ኮይኑ።
ስለዚ ሕጂ ዝያዳ ግሉጻትን ምስ ነንሕድሕድና ድማ ዝያዳ ትኽ ብትኽ ክንዘራረብን ኪኢልና።

/ኖራ፣ 68 ዓመት፣ ንግሬታ ዓባያ

Senast uppdaterad 2022-06-02 av Peter Eriksson, ansvarig utgivare Lennart Magnusson