ከም ጡጥ ክኸውን ይደሊ።

ኣብ ሂወት ጭካነ መሳሊ ነገር ኣሎ ማለት ሓደ ሰብ ኣየናይ ምውቕ ምኻኑ ንምፍላጥ ክነድድ ኣለዎ፣ ነየናይ ከወግድ ከም ዘለዎ ንክፈልጥ ንነብሱ ክሃርም ኣለዎ፣ ንቕድሚት ምኻድ ንክምሃር ከኣ ክቖስል ኣለዎ።
እዚ ንኹልና ይምልከት፣ ንዓኻ ግና እቲ ጉዕዞ ዝኸበደ እዩ።
እዚ ክትገብር ከለኻ ርእየካ፣ ንዓይ ድማ ኣዝዩ ኣግሁዩኒ።
ክውስን ዕድል እንተዝህልወኒ ነዚ ናይ እኹላት ሰባት ሕልናን እቲ ክትገብር ኣለካ ዝብል ርትዕን ጎስየ ምሓለፍክዎ።
ከም ጡጥ ኩሉ ግዜ ተጠምጢመካ ክውዕል ምደለኹ።
ዘይ ከምቖርበት ግና- ምኽንያቱ ቖርበት ንሓደ ከም ድልየቱ ንከይንቐሳቐስ ስለ ዝሕዞ።
ግና ኣነሲ ብኣፍንጫኻ ትስሕቦ እሞ ንኣብ ርእስኻ ዘሎ ድምጺ ዘልግስ ነገር ክኸውን ምደለኹ።
ቐቕድሜኻ ክኸይድ፣ መገዲ ክጸርገልካ ንክሎም ናብቲ ክትከዶ እትደሊ በዓል ክዕድሙኻ ዘይደልዩ ድማ እንሀ መጸ እቲ ኣደናቒ ዳዊት፣ እቲ ካብ ኣብ በዓልካ ክትረኽቦም ትኽእል ሰባት ኣዝዩ ዝያዳ ድሱት፣ ኩሉ ሰብ ኣብ በዓሉ ክዕድሞ ዝደሊ ወዲ ኢለ ምነገርክዎም።
ነቶም እቲ ከንብብ ዝኽእል ሰብ ክገብሮም ዝኽእል ኣደነቕቲ ነገራት ንክትግንዘቦም ኣብ ርእስኻ ኮይነ ንኽሎም ፊደላት ብትኽክል ከቐምጦም ምደለኹ።
ምርዳእ ኣቢካ ክትበኪ ከለኻ ኩሉ ግዜ ክትክዶ እትኽእል እትመልኮ ዓይት ስምዒት ክኸውን ምደለኹ፣
ኣብ ግዜ ምሸት ውሕስነትካ ክኸውን ፣ ክትብህርር ከለኻ ሒዘ ብፊንስትራ ክድርብዮም ፣ እንደገና መታን ክትድቕስ ናይ ድቓስ ብልጭልጭ ኣብ ይዕንትኻ ኡፍ ክብለካ ምደለኹ።
ንኽሎም ኣእሻኻት ኣልየ ንመገድካ ልሙጽን ፈኩስን፣ ብዘይ እዞም ኩሎም ኩርናዓትን ክገብረልካ ምደለኹ።
ኣማስይኡ ግና ዝተመሃርክዎ ጌረ፣ ሰብ ንእሽተይ ክነድድ ኣለዎ፣ ነቲ ከቢድ ምእላዩ ክምሃር ኣለዎ፣ ንዘይሕያዎት ሰባት ክምክት ኣለዎ ዝብል ሓሳብ።
እኹል ሰብ፣ ጥበበኛ።
ግና ኣይደልን።
ክሳዕ ወርሒ የፍቕረካ።

/ዓባይካ ኤቫ

Snackeboda. Bild på en ”prata”

Senast uppdaterad 2022-06-02 av Peter Eriksson, ansvarig utgivare Lennart Magnusson