ግዜ ምስ ሓለፈ ዘሎ ፍልልይ።

እታ ጓል ዘለዎ ሕማም ንምፍላጥ ብዙሕ ግዜ ወሲድሎም።
ብዙሕ ነገራት ስለ ዘወገዱ ግዜ ወሲድሎም።
ገለ ነገር ከም ዝነበረ እኳ ተረዲኡና ኔሩ።
ገለ ነገር ምኻኑ ምስ ፈለጡ ግና- እቲ ሓኪም ክዛረብ ከሎ ደው ኢለዮ ዝነበርኩ ቦታ ሕጂ ዘኪረዮ።
ላዕልን ታሕትን ድማ ተጋላቢጡ።
ንዕኡ ከቢድ ኮይኑ፣ ኣቦ ሲሪ - ወድና።
ድሮ ንሓንሳብ ንቕሚት ኣንዊሑ ሓሲብ።
እታ ቐዳመይቲ ዝበላ "ፍቓድ መምርሒ መኪና ከትውጽእ ኣይክትክእልን እያ። "
ክውንነታኛ ክኸውን ፈቲነ፣ ኢለዮ ድማ፣ "ከምዚ ሕጂ ዝስምዓካ ዘሎ ድሕሪ ሓደ ወይ ክልተ ዓመት ኣይክስምዓካን እዩ።"
እወ ከምኡ እዩ ዝበሃል።
ዝኾነ ኾይኑ፣ እዚ ግና ኣብ ቕድሚ ውሉድካ ክትብርትዕ ምፍታን እዩ።
ኣብ ቕድሚኦም ብርግጽ ናይ ቕብጸት ተስፋ ክትገብር ኣይትደልን።
እዚ ደሓር ኣብ ገዛ ትገብሮ ትኽእል።
ወይ ወድና- ዓብን ሓያልን ወዲ- ኣብ ገዛ ኮፍ ኢሉ ክበኪ ከሎ።
እዚ ከቢድ እዩ።
ግና፣ ዘይምምራር፣ ኣብ ስለምንታይ ንሕና ዝብል ሓሳብ ዘይምውዓል ኣገዳሲ እዩ።
ብዛዕብኡ ንቑሕ ምኻን እዩ።
ግና ሰብ ክውንነተኛ ክኸውንን እቲ ዝበለጸ ናይዚ ነገር ክገብርን ይኽእል፣ እዚ ኣገዳሲ ግዜ እዩ።
እዚ ግዜ ምስ ከደ ፍልልይ ይገብር እዩ።
ሕጂ ኣብ ሂወት ቕድሚ ሕጂ ዘይረኣዮም ጽቡቓት ነገራት ክርኢ ይኽእል።
ብርግጽ ኣብ ሓደ ተሰሚርና ንሂወት ብኻልእ ዓይኒ ክንሪኣ ጸኒሕና።
ደሓር ከኣ- ካብ ንእሽተይ ሲሪ ፍሽኽታ ምርካብ።

/ስቱረ፣ 72 ዓመት፣ ኣባሓጎ ሲሪ

Snackeboda. Bild på en ”prata”

Senast uppdaterad 2022-06-02 av Peter Eriksson, ansvarig utgivare Lennart Magnusson