ብዓይነይ ኣይርእን እየ

ሓደ ግዜ ኣብ ኣስካላ ክድይብ ክብል ከለኹ፡ ናይ ምርኣይ ጸገም ስለ ዘለኒ ምስ ሓደ ክሕግዘኒ ዝደለየ ሰብ ኣጓኒፉኒ።
ሓገዝ ከም ዘየድልየኒ ዝተረድኦ ኣይመስልን ነይሩ።
ኣሕሪቑኒ ድማ።
ብዓይንኻ ዝኽየድ ድዩ መሲልዎ?
መን ኵሎም ካልኦትሰባት ብእግረይ እንድየ ዝኸይድ።
ድሓር ግን፡ ነቶ ዘይፈልጡ ክትርድኦም ኣለካ፡ ኢለ ሓሲበ።
ብርግጽ እዚ ሰብ እዚ ጽቡቅ ክገብርን ክሕግዝን እዩ ደልዩ።
ስለዚ ዓይነ ስውር ምኳን ከመይ ምኻኑ ገሊጸሉ።
ቤት ትምህርቲ ከም ዝከይድን ኣብኡ ከኣ ኣስካላታት ዝመልኤ ምኻኑን ነጊረዮ።
ንዓይ ኣስካላታት ወላ ሓደ ጸገም ኣይኮነን።
ሰባት ሕያዎት ሙኳኖም ምእንቲ ክቕጽልዎ፡ ክገልጸሎም ጽቡቕ ኢዩ ኢለ ሓሲበ።
ግን ሽዑ'ውን ብዙሕ ኣፍልጦ የድልዮም።

/ሃነስ፡ 17 ዓመት

Snackeboda. Bild på en ”prata”

Senast uppdaterad 2022-06-02 av Peter Eriksson, ansvarig utgivare Lennart Magnusson