ብሓባር ናብ እንዳሓኪም

እቶም ተሓጋገዝቲ ኣቓረጹ ወይ ናይ ኣግነስ ናይ ሕክምና ሓገዝ ምስተኣልየ ስድራቤተይን እንዳ ሓሞይን ንክሕግዙና ተቓላጢፎም።
ብኸምዚ መገዲ ምስ ደቂ ደቆም ዘይንብር ቕርርብ ዘለዎ ርክብ መስሪቶም።
ግና ዘይንቡር ቕርበት ዘለዎ ርክብ ምሳና'ውን ጀሚሮም።
ገለ ኣዝዩ ሓያል ነገር ኢና ኣብ ሞንጎና ንካፈል።
ፍቕሪ ኣግነስን የሕዋታት።
ግና'ውን ስምዒታትን ሓሳባትን ኣብ ልዕሊ ሂወትና ከመይ ከም ዝተቐየረት።
ኣነ ኣብ መጀመርያ ኣብ ሞንጎ ነንሕድሕድና ብዛዕባ እቲ ከቢድ ነገር ክንዘራረብ ድፍረት ንኽነብረና ምስ ተመነኹ።
ግና ከም ዘይከኣል ኮይኑ ተሰሚዑና።
ምናልባሽ ምኽንያት ስድራቤት ብዘይሓሳብ ንደቐም ካብ ቓንዛ ንክከላኸልሎም ይኸውን።
ከምኡ'ውን ህጻናት ንስድራቤቶም ንክከላኸልሎም ይኸውን።
ናይ ስነኣእምሮ ኪኢላን ካልኦት ኣብ ተመሳሳሊ ኩነታት ዝርከብ ስድራቤታትን ብምርካብ ንክንስጉም ተሓጊዝና፣ ንኣደ ኣግነስን -ስድራቤታን ግና ዘረድኦም ኣይተረኽበን።
ዝበዝሕ ግዜ ግን ከም ዘይተረድኦምን፣ ብዕትበት ንክሪእዎ ትብዓት ከምዘይነበሮምን ተሞኩርና።
ስለዚ ኢና ምስ ኣግነስ ናብ ሓኪም ዓዲምናዮም።
ድሒሩ ምሳን ምስዞም ስድራቤታት ኣብ ሓደ ዓይነት መኣዝን ምስ መጹ ግና ክትዛረበሉ ዝቐለለ ኮይኑ- ብዛዕባ ኩሉ።
ዝያዳ ክንዛረብ ዝያዳ ናይ ጸልማት ጣቓ በኒኑ፣ ብናይ ኣግነስ ፍቕሪ ድማ ተተኪኡ።
ልክዕ ከምቲ ክሕጎሱ ከለው እንሕጎሶ ድማ ንሶም ክንሕጎስ ከለና ይሕጎሱ መስለኒ።

/ኣና ፐላ፣ ኣደ ኣግነስን ደራሲት 'ፍሽኽ ክትብሊ ከለኺ ግዜ ጠጠው ይብል (ሊብሪስ 2017)'

Senast uppdaterad 2022-06-02 av Peter Eriksson, ansvarig utgivare Lennart Magnusson