ምኽኣልክዎ ነይረ

ምናልባት ቅድሚ 5-6 ዓመት ኣቢሉ ሓደ ምሸት ኣብ እዋን ክረምቲ እዩ ነይሩ።
እኳ ድኣ፡ ልክዕ ኣብቲ መጀመርታ ሕማም ሽኮር ዚሓዘኒ እዋን እዩ ነይሩ።
ሽዑ ኣብ መንጎይን ማማን ቁሩብ ግርጭት ኣጋጢሙ።
ብርግጽ ብኣይ ተሻቒላ እያ ነይራ።
ኣነ ብዝተኻእለ መጠን ከም ሓደ ተራ ሰብ ክኸውን እንዳ ደለኹ ከለኹ።
ከም ቅድሚ ሕጂ ዝገብሮ ዝነበርኩ፡ ወጺኤ ምስ የዕሩኽተይ ክኸውን ይደሊ ነይረ።
ኣብቲ ዝነብረሉ ገዛውቲ ግጥም ዙርያ ኵዕሶ ክካየድ ከሎ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ሓደ ናይ ዓርከይ ናይ ዕንጨይቲ ኣጕዶ ንነብር ኔርና።
ኵሉ ግዜ ምሉእ ለይቲ ኮፍ ኢልና ከነሕልፎ ልማድ ነይሩና። ዳርጋ ሰዓት 5 ከባቢ ንድቅስ ኔርና።
ስለዚ ኣነ ሕማም ሽኮር ምስ ሓመምኩ ከምኡ ክንገብር ኣይከኣልናን።
ማማ ብዙሕ ተሻቒላ ነይራ፡ ኣብኡ ከምሲ ይፍቀደኒ ነይሩ፡ ክሓድር ግን ኣይፍቀደንን ነይሩ።
ናብ ገዛ ከይደ ክድቅስ ይግደድ ነይረ።
ድሓር ቅድሚ እቶም የዕሩኽተይ ምብርባሮም ንግሆ ሰዓት 7 ተመሊሰ ኸይደ ምስኦም ክድቅስ ይይፍቀደኒ ኔይሩ።
ግን ሓደ ዓይነት ኣይነበረን።
እቲ ናተይ ሕማም ሽኮር እዩ ነዚ ኣስዒቡለይ።
ከምቲ ኵሉ ግዜ ዝገብሮ ዝነበርኩ፡ ኣብኡ ክሓድር ኣይተፈቕደለይን።
ማማ ከም ዝኽእሎ ከርኢ ክትገድፈኒ ምደለኹ ነይረ።
ነገራት ተቐቢለ ሓላፍነት ክወስድ ከምዝኽእል፣ ንነብሰይ ክኣሊ ከም ዝኽእል ከርኢ።
ክገብሮ ይኽእል ሙኳነይ ይፈልጥ እየ።
ሕጂ ጽቡቕ ከም ዝተፈጸመ፣ ጽቡቕ ከም ዝገበርክዎ ኣርእየያ።።

/ረቤካ፣ 18 ዓመት

Snackeboda. Bild på en ”prata”

Senast uppdaterad 2022-06-02 av Peter Eriksson, ansvarig utgivare Lennart Magnusson