መንነተይ ረኺበ

ጽግዕተኝነት ኣብ ካልኦትን ናትካ መንነትን ይተሓሓዝ ዶ ይኸውን?
እወ፡ ይገብር እዩ ይመስለኒ።
ጽግዕተኝነት ክብል ከለኹ፡ ምስቲ ትረኽቦ ግብራዊ ሓገዝ ዝተተሓሓዘ ማለተይ ኣይኮንኩን።
እዚ ብዝያዳ ብዛዕባ ንነብስኻ ከም ሰብ ምግላጻ እዩ።
ሰብ ኣብ ሂወትካ ብቐረባ ክኣትወካ እንተ ኣፍቂድካ፡ ናይ ገዛእ ርእስኻ ሰብ ኣይትኸውንን ኢኻ።
ገና ቈልዓ ከለኹ ብዙሕ ብዛዕባ ከምዚ ነገራት ይሓስብ ነይረ።
ብኣግኡ ወለድይ - ብሕልፊ ፓፓ- ናብ ሓኪም ምሳይ ንኸይከዱ ወሲኔ ነይረ።
እዚ ናተይ ሸቶ እዩ ነይሩ።
ኣነ ከም ዝመስለኒ ነዚ ዝስዕብ ክብሎ ከለኹ ጓል 12 ዓመት እየ ነይረ፡
-ምስ ዶክቶር በይነይ እየ ክኸውን ዝደሊ።
ፓፓ ናይ ሓኪም ምብጻሕ ምሳይ ክህሉ ኸሎ ኣዚዩ ይጭነቕን ብዙሕ ስኽፍኽፍ ይብሎን ነይሩ።
መብዛሕትኡ ግዜ ናብቲ ሓኪም ኣቐዲምና ኢና ንበጽሕ ነይርና።
ሽዑ ፓፓ ኣብቲ ኮሪደር ላዕልን ታሕትን ይብልን ድሕሪኡ ምስተን ኣለይቲ ሕሙማት ክበኣስ ይጅምርን ነይሩ።
ኣብቲ መመርመሪ ክፍሊ ክንኣቱ ኸለና፡ እቲ ኵነታት ዝነደረ እዩ ነይሩ።
ከም ዝገገደኒ እንተ ተራእዩ፡ ዳርጋ ሓደ መቕዘፍቲ ከም ዘጋጥም እዩ ነይሩ።
ካባይ ከም ሓደ ኣዚዩ ዜደንቕ ትግባረ ይጽበ ከም ዝነበረ እዩ ነይሩ። ዳርጋ ኣብ ማራቶን ክጎዪ ከም ዝነበረኒ።
ከምኡ ጨሪሹ ኣይበለን። ግን ኵሉ ግዜ ከምኡ ኾይኑ ይስምዓኒ ነይሩ።
ሕጂ ከም እኽልቲ ሰብ መጠን ክሓስቦ ከለኹ፡ ምስቲ ወለደይ ብምኽንያት ስንክልናይ፡ እቲ ብርግጽ ዝነበሮም፡ ሓዘን ዝተተሓሓዘ ይመስለኒ።
እዚ ብዛዕባ ሓዘንን ፍርሕን እዩ ነይሩ።
ንዓይ ሓደ ኣገባብ ኣብቲ ናይ ሓኪም ምብጻሕ ነብሰይ ንክኽእልን ዝሓሸ ንኽስምዓንን ነዚ ጥቡቕ ዝምድና ምብታኹ እዩ ነይሩ።
ወለደይ ብቐጥታ ተቐቢሎሞ።
ኣብ ሕቶ ኣየእተውዎን፡ ብዙሕ እውን ጣልቃ ኣይኣተዉን።
ግን ሚእቲ ብሚእቲ ይግደሱ ነይሮም።
ሕጂ እኽልቲ ሰብ እየ።
ናይ ገዛእ ርእስኻ መንነት ምህላው እዩ - ናብ ካልእ ደረጃ ምእታው እዩ።
እዚ ንዓይ ኣገዳሲ እዩ ነይሩ።
ስንክልና ክህልወካ ከሎ እዚ ብዝያዳ ኣገዳሲ ይኸውን።
ንነብስኻ ኣነ ናይ ገዛእ ርእሰይ መንነት ዘለኒ ሰብ እየ ክትብላ ኣለካ።
ነብሰይ ይኽእልን ኣብ ሂወተይ ድማ ከመይ ከም ዝደልዮ ባዕለይ እየ ዝውስንን።

/ስቲና 46 ዓመት

Snackeboda. Bild på en ”prata”

Senast uppdaterad 2022-06-02 av Peter Eriksson, ansvarig utgivare Lennart Magnusson