ኛኽ ምባል ግደፍዎ

እቲ ሕማም ኵሉ ግዜ ክብደት ከም ዝቕንስ ስለ ዝገብረኒ ዝነበረ፡ ወለደይን እቶም ሓኻይምን ብግቡእ ክበልዕ ይደልዩ ነይሮም።
ኛኽ ይብሉ ነይሮም።
ብጭቕጭቖም ስለ ዝደኸምኩን ዝሓረቕኹን ዳርጋ ምሉእ ብምሉእ ምብላዕ ኣቋሪጸዮ ነይረ።
ዕሽነት እዩ ነይሩ። ግን ብጣዕሚ ኣሕሪቖምኒ ነይሮም።
እቲ ናተይ ናይ ኣመጋግባ ክኢላ ንቑሩብ መዓልታት እንታይ ከም ዝበላዕኩ ክጽሕፎ ሓሳብ ኣቕሪቡ ነይሩ።
ክጽሕፍ ክብል ከለኹ፡ ዳርጋ ዋላ ሓንቲ ከም ዘይበልዕ ነበርኩ ፈሊጠ።
ናይ ግድን ኣብ ምብላዕ ክመሓየሽ ከም ዘለኒ ተረዲኡኒ።
ሽዑ ክንሰማማዕ ክኢልና። ንሶም ኛኽ ምባል ገዲፎሞ ኣነ ድማ ምብላዕ ጀሚረ።
እዚ ሓጊዙኒ እዩ።

/ፓሜላ 13 ዓመት

Senast uppdaterad 2022-06-02 av Peter Eriksson, ansvarig utgivare Lennart Magnusson