ኣቦይ ሓዚኑ ከም ዝነበረ ርእየዮ

ሓደ ግዜ ምስ ፓፓን ሓወይን ብሓባር ከለና ፓፓ ሓዚኑ ከም ዝነበረ ርእየዮ።
ከም ዝተሻቐለ ይመስል ነይሩ፡ ኣብ ሓንቲ ዓይኑ ድማ ንብዓት ሒዙ ነይሩ።
ስለ ምንታይ ሓዚኑ ከም ዘለ ሓቲተዮ፡ ንሱ ግን ኣይሓዘንኩን ኢሉኒ።
ግን ሓዚኑ ከም ዝነበረ ርእየዮ እየ።
ሽዑ ተሻቂለ። ገለ ሕማቕ ነገር ኣጋጢሙ እንተ'ሎ ኾይኑ'ኸ።
ብዙሕ ብዛዕባ ከጋጥም ዝኽእል ሕማቕ ነገራት ዘባህርር ሕልሚ ሓሊመ።
ምናልባት ኣሸጋሪት ስለ ዝኾንኹ ፓፓ ምሳይ እዩ ሓሪቑ ዝኸውን?
ወይ ሕሰቦ'ሞ፡ ሓሚሙ እንተ ነይሩ ኾይኑ፡ ይመውት እኳ?
ድሓር ግን ፓፓ ኣነ ሓሚመ ስለ ዝነበርኩ ከም ዝሓዘነ ነጊሩኒ።
ናተይ ጌጋ ከም ዘይኮነ ግን ኣዚዩ ከም ዘሕዝን ነጊሩኒ።
ግን ብዙሓት ካልኦት ጽቡቓት ነገራት እውን ኣለዉና እዮም።
ምሕዛን ሕማቕ ከም ዘይኮነ ድማ ነጊሩና።
እቲ ዘሕዝን ይመጽእ ይኸይድ እዩ። ኵሉ ሰብ ድማ ክሓዝን ይኽእል እዩ።
ፓፓ ዝነገረኒ ጽቡቕ ገይሩ። ድሕሪኡ ክሳብ ክንድኡ ምሽቓል ኣየድለየንን።

/ሊና 10 ዓመት

Senast uppdaterad 2022-06-02 av Peter Eriksson, ansvarig utgivare Lennart Magnusson