ማማ ብመጠኑ ክትርእየኒ ትኽእል ኢያ

ምስ የዕሩኽተይ ኾይነ ምሕምባስ ይፈቱ እየ።
ብሓቂ ወለደይ ከምኡ ክገብር ኣይፈትዉን እዮም።
ኣብቲ መሓምበሲ ወቕዒ ኣጋጢሙኒ ከይጥሕል ይሻቐሉ እዮም።
ግን እቲ የዕሩኽተይ ዝገብሮ ክገብር እንተ ዘይክኢለ፡ ከም ዝሓዝን ይፈልጡ እዮም።
ነዚ ሓደ ካብ ወለደይ ክሕምብስ ከለኹ ከም ዝርእየኒ ብምግባር ፈቲሕናዮ።
እዚ ቕቡል እዩ ይመስለኒ።
ግን ሓደ ግዜ ብማማ ኣዚየ እየ ሓሪቐ።
ብቐጻሊ ትርእየኒ፣ ትጽውዓንን ብኢዳ ምልክት ትገብረለይን ኔይራ።
ሓምቢሰ ምስ ወዳእኩ ደስ ከም ዘይበለኒ ነጊረያ።
ይቕረታ ሓቲታ፡ ድሕሪኡ ክሳብ ክንድኡ ኣሸጋሪት ኣይነበረትን።
ሕጂ ምሳይ ክትህሉ ከላ ደሓን ይስምዓኒ።

/ስቲና 10 ዓመት

Snackeboda. Bild på en ”prata”

Senast uppdaterad 2022-06-02 av Peter Eriksson, ansvarig utgivare Lennart Magnusson